Fana: At a Speed of Life!

“ሜሪ ክሪስትማስ” እናበለ ካብ ባንኪ ሰሪቑ ንሰብ ክዕድል ዝወዓለ ሰራቒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ፃዕዳ ጭሕሚ ዘር ዘበለ ሰብኣይ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ካብ ባንኪ ንዝሰረቖ ገንዘብ ኣብ ፅርግያ ወፂኡ ብውዕዉዕ ስምዒት ንሓለፍቲ መገዲ “ርሑስ በዓል ልደት [ሜሪ ክሪስማስ]” እናበለ ሰልዲ ክዕድል ከም ዝውዓለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ሰብ መዚ ፖሊስ ብሰኑይ ሓደ ፃዕዳ ዝጭሕሙ ዓቢ ሰብኣይ ኣብ ኮሎራዶ ስፕሪንግ ኣብ ዝርከብ ኣካዳሚ ባንኪ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ገንዘብ ከም ዝሰረቐ ሓቢሮም።

ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ደዮን ፓስካል ንዜና ኮሎራዶ11 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብ ባንኪ ኣትዮ ሰሪቑ ድሕሪ ምውፃእ ነቲ ሰልዲ ኣብ ፅርግያ ክዘርዎ ጀሚሩ” ኢሉ።

ቀፂሊ “ነቲ ሰልዲ ካብ ዓቢ ሳንጣ ኣውፂኡ እናደርበየ ‘ሜሪ ክሪስትማስ’ እናበለ ይጭድር ነይሩ” ኢሉ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፥ እቲ ጨጓር ሰብኣይ እቲ ካብ ባንኪ ዝሰረቖ ገንዘብ ዓዲሉ ምስ ወደኦ ኣብቲ ፊት ሓንቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረት እንዳ ቡን ከይዱ ኮፍ ብምባል ፖሊስ መፂኦም ክሕዝዎ ይፅበ ምንባሩ ሓቢሮም።

ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ፅርግያ ዝዝረው ዝነበረ ሰልዲ ሓሓፊሶም ናብቲ ባንኪ ይመልስዎ ከም ዝነበሩ እውን ተፈሊጡ።

ፖሊስ ኮሎራዶ ስፕሪንግ እቲ ጥርጡር ውዲ 65 ዓመት እንትኸውን፥ ዴቨድ ዋይነ ኦሊቨር ከም ዝብሃል ሓቢሮም።

ነዚ ናይ ስርቒ ተግባር ከካይድ ካልእ ዝኾነ ተሓባባሪ ኣለዎ ኢሉ ከም ዘይግምት እውን ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.