Fana: At a Speed of Life!

ሜጀር ጄነራል መሓመድ ኒሻን ሓዊሱ ኣርባዕተ ጦር መኮንናት ብኣመራርሓታት ጉጅለ ፀረ ሰላም ህወሓት ተገዲዶም ምልሻታት ይውድቡ ከምዝነበሩ ንቤት ፍርዲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዶም ዝሃቡ ሜጀር ጄነራል መሓመድ ኒሻን ሓዊሱ ኣርባዕተ ጦር መኮንናት ብኣመራርሓታት ጉጅለ ፀረ ሰላም ህወሓት ተገዲዶም ምልሻታት ይውድቡ ከምዝነበሩ ንቤት ፍርዲ ገሊፆም።

እቶም ተጠርጠርቲ ጦር መኮንናት እዚ ዝበሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል 1ይ ዙር እዋን ቆፀሮ ምድብ መጋባእያ ኣራዳ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን ኢዩ።

ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ተጠርጠርቲ፥ ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ኒሻ ፤ ብርጋዴር ጄኔራል ሙሉጌታ በርሀ፣ ኮሎኔል ገብረእግዚአብሔር ገብረሚካኤልን ኮሎኔል ገብረዋሕድ ሃይሉን ኢዮም።

ነቶም ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦም ጉጅለ ምርመራ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፥ ዝተጠርጠሩሉ ጉዳይ ገበን ንመጋባእያ ዕላዊ ገይሮም።

ስለዝኾነ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ምስ ጉጅለ ፀረ ሰላም ኦነግ ሸኔ ብምውዳድ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ልኡኽቶ ብምቕባል ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ምውዳብ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም መጥቃዕቲ ንኽበፅሕን ኣፅዋር እቲ እዚን ንኽዝረፍ ገይሮም ኢዮም ክብል ኣብሪሁ።

ነቶም ኣፅዋር ክዝረፉ ምስገበሩ ድማ ኢዶም ክሳብ ዘሃቡሉ እዋን ነቲ ኲናት ብምምራሕ ዜጋታት ክጭፍጨፉ ብምግባር ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ፈተነ ብምግባር ገበን ከምዝተጠርጠሩ ንመጋባእያ ገሊጹ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ መዝገብ ብሰብን ብመረዳእታን ኣጠናኺርካ ንምቕራብ ስነ-ስርዓት ሕጊ መሰረት ብምግባር 14 መዓልቲታት ይወሃበኒ ክብል መርማሪ ፖሊስ ተወሰኽቲ መዓልቲታት ሓቲቱ።

1ይ ተኸሳሲ ሜጀር ጀጄነራል መሓመድ ኒሻ ብግደኦም፥ ንርእሶም ብምስጋእ ካብ ከተማ መቐለ ምውፀኦምን ተሓቢኦም ከምዝነበረን ብምግላፅ ብስድራቤት ኣቢሎም ኣኽሱም ናብ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሪፖርት ገይሮምኢዶም ከምዝሃቡ ተዛሪቦም።

ምስ ስድረኦም ተማኺሮም ጠበቓ ንኸቑሙ ብምሕባር፤ ኣበል ጥሮታ ንኽፍቀደሎም ሓቲቶም።

2ይ ተጠርጣሪ ብርጋዴር ጀነራል ሙሉጌታ በርሀ ድማ ኣብ ኣኽሱም ባዕልና ኢና ኢድና ዝሃብና ዝነብረሉ ኣድራሻ ኣብዚ እዩ ኣበል ጡረታይ ንኽወሃበኒ ይፈቐደለይ መሰል ዋሕሰይ እውን ይከበረለይ ክብሉ ሓቲቶም።

3ይ ተጠርጣሪ ኮሎኔል ገብረእግዚኣብሄር ገብረሚካኤል እውን ኣመራርሓታት ጉጅለ ህወሓት ኣገዲዶምኒ ኢየ ምልሻታት እናተኣኻኸብኩ ዝነበረ፤ ዝተኣዘዝኩዎ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ምሊሻታት ምስ ወዳእኹ ካብ ዝተሓባእኹሉ ብምውፃእ ናቭ ጄነራል ዮሃንስ ብምድዋል ናብ መቐለ ከይደ ባዕለይ ኢደይ ሂበ ክብሉ ንቤት ፍርዲ ኣብሪሆም።

4ይ ተጠርጣሪ ኮሎኔል ገብረዋህድ ሃይሉ ብግደኦም፥ ኣብቲ እዋን ስግኣት ስለዝነበረና ኣብ ጫካ ተሓቢእና ምስ ፀናሕና ኢና ኢድና ሂና ክብሉ ንመጋባእያ ገሊፆም።

መጋባእያ እዋን ቆፀሮ እውን ነቲ ክትዕ ብምድማፅ ንተወሳኺ ምርመራ 14 መዓልቲ ንፖሊስ ፈቒዱሉ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.