Fana: At a Speed of Life!

ምስ ዝተሰሓሓተ ለውጢ ኣወዳድባ ተተሓሒዙ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክን ካልኦትን ተመሊሱ – ኩባኒያ ፌስቡክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ዝተሰሓሓተ ለውጢ ኣወዳድባ ተተሓሒዙ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክን፣ ዋትሰኣፕን ኢንስታግራምን ትማሊ ን6 ሰዓታት ድሕሪ ምቁራፁ ከምዝተመለሰ ኩባኒያ ፌስቡክ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣገልግሎቱ ክቋፅ ዝኸኣለ ምስ ምስ ዝተሰሓሓተ ለውጢ ኣወዳድባ ተተሓሒዙ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኩባኒያ ፌስቡክ ኣብ መግለፂኡ፥ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ተቛሪፁ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውልቃዊ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ተጣሒሱ ዝብል መረዳእታ የለን ኢሉ፡፡

ምቁራፅ ኣገልግሎት ዝከታተሉ ዳውደክተር፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ መላእ ዓለም 10 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዝኾኑ ፀብፃባት ፀገም ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብምኽንያት ምቁራፅ እቲ ርክብ ጉድኣት ንዝበፅሖም ሰባት ይቕሬታ ሓቲቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.