Fana: At a Speed of Life!

ምትሓዝ መራሕቲ ናይቲ ጁንታ ኣብ ትግራይ ተስፋ ኣእሲሉ ኣሎ – ኣይተ ነቢዩ ስሑል

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምትሓዝ መራሕቲ ናይቲ ጁንታ ኣብ ትግራይ ተስፋ ከምዘዕሰለ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ነቢዩ ስሑል ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ንዓማውቲ እቲ ስርዓት ከምዘይወድቕ ብምምሳል ዓቢዪ ፕሮፓጋንዳን እናተነዝሐሉን ዓፈና እናተፅዓነን ከምዝነበረ ኢዮም ዝሓበሩ፡፡

ምትሓዝ ኣመራርዓታት ናይቲ ጁንታ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓቢዪ ናይ ናፅነት ተስፋ ዘንገሰ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ነቢዩ ገሊፆም።

ብመንፅር ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ እንትረአ ነገራት ንምእማን ዝተፀገሙ ሰባት ብዙሓት ይኹን እመበር ካብ እዋን ናብ እዋን ብፍላይ ኣመራርሓታት እቲ ጁንታ እንትተሓዙ፥ ሙሉእ ብሙሉእ እቲ ለውጢ ናብ ምቕባላ እናኸደ ከምዝኾነ ዘርእዩ ምልክታት እናበዝሑ መፂኦም ኢዮም ኢሎም።

መራሕቲ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ምትሓዝ ምጅማሩ ብዙሕ መልእኽቲ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ብቀንዱ ብመንፅር ሕጊ ክፅራሕ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ከምኡ እውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ብርኪ ዘሎ ሰብ ሕጊ እንትጥሕስን እንተጥፍእን ናብ ቅድሚ ሕጊ ዝቐርብን ግዚኡ ሓሊዩ ካብ ተሓታትነት ዘየምልጥ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ናይ ለውጢ ምዕራፍ ወለል ኢሉ ምኽፋት ከምዝጀመረ ዘበሰረ ኢዩ ምባሎም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.