Fana: At a Speed of Life!

“ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ንመናእሰይ ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ሓድነት እዩ” ክብላ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ንመናእሰይ ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ሰላም፣ ሓድነትን ምትሕብባርን እዩ” ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛሪበን።

“ኣዲስ ኣበባ ናይ ሰላምን ሓድነትን ከተማ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከተማ ሓቆፍ ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ “እዚ ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ንመናእሰይ ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ሰላም፣ ሓድነትን ምትሕብባርን እዩ” ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንስርዓት ኣልቦነትን ንምክፍፋልን ትምቹ ከተማ ከምዘይኮነት ዝገለፃ ከንቲባ ኣዳነች፤ “መናእሰይ ሰፖርታዊ ምንቅስቓስ እንትገብሩ ከተማና ንስርዓት ኣልቦነት ኣይትምቹን፣ ምትሕብባራ ክቕፅል እዩ፣ ሓድነታ ድማ ክዕንብብ እዩ እናበልኹም ክኸውን ኣለዎ” ክብላ ገሊፀን።

ስፖርት ጥዑይ፣ ብቑዕን ኣፍራይ ዜጋን ንምፍጣር ዘለዎ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ እውን ስፖርት ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ከምባህሊ ንምግባር ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ምንቅስቓሳት ብቕዓት ኣካል በቢሰሙኑ ብቆዋሚነት እናዳለወ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.