Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመከላኸሊ ኣየር ብሓዱሽ ዲዛይን ዘስረሖ መፍለዪ ኣርማን ዘህነፆ ሓዱሽ መገዲ ኣስፓልትን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት፣ 2013 (ኤ.ቢ.ሲ)ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ንመከላኸሊ ኣየር ብሓዱሽ ዲዛይን ዘስረሖ መፍለዪ ኣርማን ዘህነፆ ሓዱሽ መገዲ ኣስፓልትን ኣመሪቑ።

እቲ መፍለዪ ኣርማን ሓዱሽ ኣስፓልት መገዲን መሪቖም ብምኽፋት መደረ መምርሒ ስራሕ ዘስምዑ፥ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኢዮም፡፡

እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብ መደረኦም፥ እቲ ምክትል ንውፅታዊ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ እቲ ሓይሊ ኣየር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እቲ ጁንታ ዝተበታተነ ሓይሊ ሰብን ዝዓነወ መሳርሒታት መከላኸሊ ኣየርን ብቕልጡፍ መሊስካ ብምውዳድ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዓወት ንኽኽዘም ርኡይ ታራ ተፃዊቱ ኢዩ ኢሎም፡፡

መከላኸሊ ኣየር ንምዝማን ብኣመራርሓታት ኣባላትን ኣመራርሓታትን እቲ ምክትል ተጀሚሩ ዘሎ ምንቕቓሕ ስራሕን ቆራፅነትን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን እቶም ዋና ኣዛዚ ኣገንዚቦም፡፡

ኮማንድ ሓይሊ ኣየር ከምቀደሙ ንኣፈፃፅማ እቲ ምክትል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ግዚያዊ ኣዛዚ ንምክልኻል ኣየር ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኮሎኔል ሃይሉ መኮንን ብግደኦም፥ መከላኸሊ ኣየር ብመንፅር ዘለዎ ስፍሓት ልኡኽቶ ቀጠና ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምስርሑ ኣባሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ እዋናዊ ኩነታት ብዘገናዘበ መልክዑ ሳይታት ብምምራፅ፣ ሓይሊ ሰብ ብምውዳብ፣ ብመዳይ ስልጠናን ፅገናን ብዝተሰርሕ ዘዕግብ ተግባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ እቲ ምክልትል ብኹለ መዳይ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ናይ ባዕሎም ግደ ዝተፃወቱ ምክትላት፣ ምድባትን መምርሒታትን ከምኡ እውን ብኣፈፃፅማ ስረሖም ሓለፋ ዘርአዩ ኣካላት ህያብ ኣርማን ናይ ኣፍልጦ ሰርተፊኬትን ዝተበርከተሎም እንትኸውን፥ ብሓዱሽ ዲዛይን ዝተሰርሐ መፍለዪ ኣርማ እቲ ምክትልን መገዲ ኣስፓልትን ብዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ኮማንድን ተመሪቑ ከምዝተኸፈተ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.