Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ከንቲባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ሽመት ሂበን

ኣዲስ በባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ሽመት ምደባ ስራሕን ሂበን።

ዝተጀመረ ለውጢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ብዝተፈላለዩ እዋናት ዝለዓሉ ናይ ህዝቢ ቅሬታታት ንምምላስን ምሽግሻግ ኣመራርሓታትን ሓደሽቲ ስምሪት ስራሕን ምሃብ ኣድላዪ ስለዝኮነ ንሸሞንተ ኣመራርሓታት ምደባ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ኣይተ ሙሉጌታ ተፈራ – ሓላፊ ቢሮ እቶት

2. ኣይተ ተፈራ ሞላ – ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ሰራሕተኛን ማሕበራዊን

3. ኣይተ ጀማል ረዲ – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ

4. ኣይተ መኮንን ኣምባዬ – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ቦሌ

5. ኣይተ ሺሰማ ገብረስላሴ- ብደረጃ ሓላፊ ቢሮ ኣማኻሪ ከንቲባ ኣወዳድባ ህዝቢ

6. ኣይተ ተተካ በቀለ – ብደረጃ ሓላፊ ቢሮ ኣማኻሪ ከንቲባ ኣወዳድባ

7. ኣይተ ጥላሁን ፍቃዱ – ብደረጃ ሓላፊ ቢሮ ኣማኻሪ ከንቲባ ጉዳያት ማሕበራዊ

8. ኣይተ የትናየት ሙሉጌታ – ብደረጃ ሓላፊ ቢሮ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መተኣናገዲ ቅሬታን ስምዕታን ህዝቢ

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ተሸየምቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ህዝቢ ምግልጋል ምዃኑ ተረዲኦም ብቕንዕናን ብተኣማንነትን ህዝቢንምግልጋል ድሉዋት ክኾኑ ከምዝግባእ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.