Fana: At a Speed of Life!

ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንክኸውን ግደ ደቂ ኣኒስቲዮን ኣዶታትን ልዑል ኢዩ-ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንክኸውን ግደ ደቂ ኣኒስቲዮን ኣዶታትን ልዑል ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ብብርኪ ከተማ መድረኽ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንክኸውን  ግደ ደቂ ኣኒስቲዮን ኣዶታትን ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ደቂ ኣኒስቲዮን ኣዶታትን ስለ ሰላምን ሓድነትን ኣስተምህሮ ክህባ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ካብ “ትችት” ብምውፃእ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያት ተሳትፎ ብምግባር ሐዚ ኣትሒዞም ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ካልኦት ከተማታት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ዝተጣየሸ ኣፈላላይ እናተፈጠረ ብምኻዱ ስዒቡ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እቲ ዝካየየድ ዝነበረ ስራሕቲ ልምዓት ድኽነት ከጥፍእ ብዘይምኽኣሉ እቲ ፓርቲ ነክጣየሽ ምኽኒያት ካብ ዝኾኑ ተረቋሒ ኢዩ ኢሎም።

እቲ መድረኽ “ብሓባይ ናብ ምዕባለ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሓዊሱ ልዕሊ 20 ሺሕ ደቂ ኣኒስቲዮ ተረኺበን ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.