Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚራ ክትባት ቫይረስ ኮሮና ክተከፋፍል ምዃና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩሲያ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚራ ክትባት ቫይረስ ኮሮና ብስፍሓት ክተከፋፍል ምዃና ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ሚኻኤል ሙራሽኮ ኣፍሊጦም።

ሩሲያ ልዕሊ 25 ሚሊየን ህዝቢ ዓለም ንዘጥቀዐ ቫይረስ ኮሮና ዝኸውን ክትባት ከምዝረኸበት ዕላዊ ምግባራ ይዝከር።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝኽተቡ ሰብ ሞያታት ጥዕናን መምህራንን ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ጥዕና ተዛሪቦም።

እቲ ክትባት ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ፍቓድ ዝተመስረተ ከምዝኸውን እውን ኣገንዚቦም።

እቶም ሚኒስትር ጥዕና፥ ጎድና ጎድኒ ምፍራይ እቲ ክትባት ፈዋስነቱ እውን እናተፈተሸ ኢዩ ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ንሳልሳይ ብርኪ ፈተነ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 40 ሺሕ ወለንታውያን 2 ሺሕን 500 ሰባት ከምዝተመረፁ ኣፍሊጦም።

ምዕራባውያን ኣብ ፈዋስነት እቲ ክትባት ሕቶ እናልዐሉ እንትኾኑ፥ ሩሲያ ብግደኣ ነቲ ሕቶ ነፂጋቶ ኣላ።

ብኻሊእ መዳይ ልዕሊ 20 ዝኾና ሃገራት 1 ቢሊየን መጠን ዝሓዘ ስፑትኒክ ቪ ክትባት ንኽፈርየለን ንሩሲያ ሕቶ ከምዘቕረባ ተገሊፁ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብግድኡ ኣብ ክሊ እቲ ክትባት ምስ ሰብ መዚ ሩሲያ እናተዘራረበ ከምዝኾነ ትማሊ ኣፍሊጡ ኢዩ።

እቲ ትካል ሩሲያ ዝረኸበቶ ክትባት ፀረ ኮቪድ-19 ንምግምጋም ካብታ ሃገር እኹል ሓበሬታ ከምዘይረኸበ እውን እናገለፀ ይርከብ።

ፍልፍል፦ ሞስኮ ታይምስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.