Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ንመበል 1 ሺህን 441 በዓል ዒድ ኣልኣድሃ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣  23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት መበል 1 ሺህን 441 በዓል ዒድ ኣልኣድሃ(ዓረፋ) ምኽኒያት ብምግባር ንሰዓብቲ እምነት እስልምና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ በዓል ሰባት ብዝበለፀ ዝደጋገፉሉ ዓብዪ በዓል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዒድ ኣልኣድሃ(ዓረፋ) ቫይረስኮሮና ብሰንኪ ዘስዓቦ ፅዕንቶ ብዝተለመደ ኩነታት ንከይበዓል ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላው ምብዓሉ ግድን ኢዩ ኢሎም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ በዓል ምድግጋፍ ስለ ዝኾነ ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ሓቢሩ ብምብላዕን ብምስታይን ዘይኮነስ ኣካላዊ ርሕቐቱ ብምሕላው ክኸውን ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉልጉምዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ብግደኦም፥ ንሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1 ሺህን 441 በዓል ዒድ ኣልኣድሃ(ዓረፋ) ኣብፀሐኩም ኢሎም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል ዓረፋ ቀዳማይ ዙር ምዝዛም ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ብምዃኑ ብዓወት ዝተፀምበለ ኢዩ ኢሎም።

ህይወት ሰባት ንሓደጋ ብዘየቃልዕ መገዲ እቲ ስነ-ስርዓት ንክኽበር እውን ኣተሓሳሲቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ እውን እቲ በዓል እንትኽበር ንገዛእ ርእስና ካብ ቫይረስ ኮሮና ብምክልኻል ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንስኡናት ብምሕጋዝ፣ ብሓድነትን ምክብባርን ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.