Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ወይዘሮ አለሚቱ ኡሞድ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ፣ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ፣ ርእሰ ምምሕዳር ቤኒሻንጉል ኣሻድሊ ሃሰን፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ በዓል ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዓብዪ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምእመናን እቲ በዓል እንተኽብሩ፥ ፍቕሪን ትሕትናን እየሱስ ከርስቶስ ብምልባስ ክኸወን ኣለዎ ኢሎም።

ሃይማኖታዊ ክብሩን ትውፊቱን ብምሕላው ዝኽበር በዓል ጥምቀት፥ ሓድነት ፍቕሪን ትሕትናን ዝረአየሉ ድሙቕ በዓል ከምዝኾነ ብምግላፅ ንህዝበ ክርስትያን እንቋዕ ኣብፀሐኩም እውን ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.