Fana: At a Speed of Life!

ሮናልድ ኪዩመን ኣሰልጣኒ ስፔናዊት ጋንታ ባርሰሎና ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሮናልድ ኪዩመን ኣሰልጣኒ ስፔናዊት ጋንታ ባርሰሎና ኮይኖም ተሸይሞም።

ጋንታ ባርሰሎና ነበር ኣሰልጣኒኣ ኪኬ ሴቲዬን ኣብ ግጥም ርብዒ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ድሕሪ ዘጋጠማ ከቢድ ስዕረት ኣሳናቢታቶም ኢያ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ነበር ተፃዋታይ እታ ጋንታ ንዝነበሩ ሮናልድ ኪዩመን ዋና ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማቶም ኣላ።

ኪዩመን ንሃገራዊት ጋንታ ኔዘርላንድስ እናሰልጠኑ ከምዝፀንሑ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.