Fana: At a Speed of Life!

ሰለስተኣዊ ኣኼባ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣመባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንንን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ሰለስተኣዊ ኣኼባ ግድብ ህዳሰ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትራት ማይን ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣመባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ ገለፃ ገይሮም።

እቲ ገለፃ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ኪንሻሳ ብማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ሰለስተኣዊ ኣኼባ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት እንትኸውን፥ ኣብቲ ኣኼባ ልዝብ ዝተገበረሎም ጉዳያትን ቅዋም ኢትዮጵያን ዝምልከት ነቶም ኣምባሳደራት መብርሂ ተዋሂቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ ስምምዕነት ንኽብፃሕ ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ድርድር ክቕፅል ኣለዎ ኢላብፅኑዕ ከምተኣምን ተገሊፁሎም።

ሰለስቲአን ሃገራት ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ብዝምልከት ዘለወን ኣማራፂ ብምትሕብባርን ብስምዒት ኣፍሪካዊ ሕውነትን ብሓባር ምስራሕ ከምዝኾነ ነቶም ኣምባሳደራት ኣብሪሆምሎም።

እቲ ድርድር ዕዉት ንምግባርን ምትእምማን ንምድንፋዕን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጁላይ 2020 ብቢሮ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝተበፅሐ ምርድዳእን ዝወፅአ መግለፂን መሰረት ብምግባር ብኽልተ ብርኪ፣ መጀመርታ ጉዳያት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ብምጥቃም ንኹሉ ዘሓቁፍ  ኣጠቓቕማ ማይ ስምምዕነት ምግባር ዝሐሸ ኣማራፂ ምዃኑ ኢትዮጵያ እምነት ኣለዋ ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ልውውጥ ሓበሬታ ንምግባር ብቕኑዕ ልቢ ተበግሶ ብምውሳድ ብሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ኣቢሉ ንሱዳንን ግብፂን ደብዳበ ከምዝተለኣኸለን ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝተገበረ ገለፃ ካብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብተወሳኺ እናዊ ኩነታት ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዝምልከትመብርሂ ዘሃቡ እንትኾኑ፥ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ብድርድር ንምፍታሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣብሪሆምሎም።

እቶም ኣምባሳደራት ብግደኦም፥ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ዝግበር ድርድር ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ “ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ብዝብል መምርሒ ውፅኢታዊ ክኸውን ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ድርድረን ኣብቲ ማዕቐፍ ንኽዛዝማ ኣበረታቲዖም።

ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝምልከት ድማ ኢትዮጵያ እቶም ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝወሰደቶ ቅዋም ከምዝንእዱ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.