Fana: At a Speed of Life!

ሰለስቲኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዋሽንግተን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝተሳተፍሉ ሰለስቲኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ እተን ሃገራት ቅድመ ሐዚ ብመሰረት ዝገበርኡ ስምምዕ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዙራት ናይ ዝገበርኡ ድርድር ውፅኢት ኣብቲ መድረኽ ክርእዩ ኢዮም።

ተወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ብተዓዛቢነት እውን ይሳተፉ ኣለዉ።

ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ሰለስቲኣዊ መድረኽ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ይዝከር።

እቲ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብምድሃብ ዝተሳለጠ ኢዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ኣመላልኣ ማይ ኣድሂባ ግብፂ ሒዛቶ ዝቐረበት ሓዱሽ ሓሳብ፥ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ክመልእ ዝብል ዝነበረ ስምምዕ ብቅዋም “ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ክመልእ ኣለዎ” ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ ሒዛ ብምቕራባ ኢዩ እቲ ድርድር ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.