Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ኣብ ዳርፉር 40 ሰባት ምቕታሎም ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ዞባ ዳርፉር ብዓሌታዊ ጎንጺ 40 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ድሕሪ ምዝንባሎምን ሱዳን ኣብቲ ዞባ ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝኣወጀት ኣፍሊጣ።

በቲ ብቀዳም ኣብ ከተማ ኢል ጀነይና ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ዓረብን ዓርብ ዘይኮኑ ዓሌት ማሳሊትን ዝጀመረ ግጭት 40 ሰባት ከምዝተቐተሉን 50 ሰባት ከምዝተሃሰዩን ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከተማ ኢል ጀነይና ዘጋጠመ ዓሌታዊ ግጭት ሰኑይ ምሸት ኣብ ከተማታት ሃይ ኣለ ጃባልን ኣል ማሪክን ኮይንካ እቲ ምልውዋጥ ቶዅሲ ይስማዕ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ክልቲኦም ዓሌታት ሰቦምን ኣፅዋሮምን ኣብታ ከተማ ቀሪቦም ስለዘለዉ ከተማ ኢል ጀነይና ኣብ ከቢደ ወጥሪ ከምእትርከብ እውን ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሰብኣዊ ሓገዛት ዘበርክት ትካል ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፥ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ክሳብ ዝሃድእ እቲ ክህቦ ዝፀንሐ ሓገዛት ከበርክት ከምዘይክእል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት እታ ን700 ሽሕ ዝኾኑ ተጸበይቲ ረድኤት፡ ከም መከፋፈሊ ዝጥቀመላ ዝነበረ ከተማ በዚ ሓዲሽ ዓሌታዊ ጎንጺ ጸጥታዊ ኩነታታ ኣዝዩ ተዘሪጉ ብምህላዉ ንምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ውሃብቲ ረድኤት ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ገሊፁ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.