Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ካብ ግዝኣታ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንዝፍፅሙ ኣካላት ኣይትፃወርን-ጀኔራል ኣልቡርሃን

ኣዲስ ኣበበ፣ 22 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ካብ ግዝኣታ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንዝፍፅሙ ኣካላት ኣይትፃወርን ክብሉ ፕሬዚዳንት ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር ጀኔራል ኣብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ተዛሪቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ዋኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር ጀኔራል ኣብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ካርቱም ዘቲዮም።

ኣብ ክልቲኣዊን ከባቢያዊን ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ዝጠመተ ዘተ ከምዝገበሩ ድማ ተሓቢሩ።

ጄነራል ኣብዱልፈታህ ኣልቡርሃን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም።

ሃገሮም ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕነት ሙሉእ ደገፍ ከምእትገብር ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.