Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ሓምሻይ ዘበን መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ ተባሂሉ።

ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ጉባኤኡ ከሳልጥ ኢዩ።

ኣብ ፃንሒቱ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ንበጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ዝኸውን በጀትን ብምዝታይ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ሹመት ሓደሽቲ ካቢኔታት ንከፅድቕ ትፅቢት ከምዝግበር ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.