Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ሎሚ መዓልቲ ተፈፂሙ።

ንኣስታት 24 ዓማውቲ ፕሬዚዳንት ኬንያ ብምዃን ዝመርሑ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 95 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ይፍለጥ።

ድሕሪ ናፅነት ኬኒያ ካብ ጆሞ ኬኒያታ ቀፂሎም ስልጣን ዝተረከቡ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ካልኣይ ፕዚዳንት እታ ሃገር ብምዃን ንሃገሮም መሪሖም ኢዮም።

ኣብ ስታዲየም ንያዮ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምስናይ ኣስከሬን ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ፥ ፕዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ፕዚዳንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታን ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌ፣ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሚ፣ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ካልኦት አኣጋይሽን ከምኡ እውነ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኬንያውያንን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከምዝበሉዎ፥ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ጅግና መራሒ ኬንያ ኢዮም ክብሉ ገሊፆምዎም።

ን24 ዓማውቲ ንኬንያ ዝመርሑ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ፥ ብሓደ ወገን ውልለቀ መላኺ ተባሂሎም ዝውቀሱ እንትኾኑ ብኻሊእ ወገን ድማ ሓድነትን ሰላምን ኬንያ ብምሕላው ዝድነቑ መራሒ ኢዮም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1978 ክሳብ 2002 ንነዊሕ ዓመታት ንኬንያ ብምምራሕ ፈላማይ ዝኾኑ ኣራፕ ሞይ፥ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ናይሮቢ ክትትል ሕክምና እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 27 ጥሪ 2012 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ተፈልዮም ኢዮም።

ፍልፍል፡- ቢቢሲን ኒውስ ሴንተራልን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.