Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተኸበሩ ሎሬት ዓለም ዶክተር ጥበበ የማነ ብርሃን ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተኸበሩ ሎሬት ዓለም ዶክተር ጥበበ የማነ ብርሃን ኣብ ካቴድራል መንበረ ፀባኦት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ተፈፂሙ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፥ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሓዊሱ ብዙሓት ላዕለዎት ትካላት መንግስቲ፣ ኦምባሲ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካላትን ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም፡፡

ዝተኸበሩ ሎሬት ዓለም ዶክተር ጥበበ የማነብርሃን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ካብ ሞንጎ ዘበርከቱዎም ኣስተዋፅኦታት ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ሕውነትን ንኽንፍዕ ኣብ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ዝሰርሑዎ ስራሕ ሓደ ኢዩ።

ኣብ ክለብ ላየንስ ንነዊሕ ዓማውቲ ዝሃቡዎ ኣገልግሎት፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሃገሮም ዝፈትዉ መናእሰይ ንኽፈርዩ ብምግባር እውን ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሖም ዝሓለፉ ሰብ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.