Fana: At a Speed of Life!

ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝርከቡሎም መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዑደት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝርከቡሎም መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዑደት ተኻይዱ።

ኣብቲ ዑደት ድማ ብዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይን ተወካሊ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳያተ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣን ኣሊን ኤንኮንትርን ዝተመርሐ ልኡኽ ተሳቲፉ።

ዕላማ እቲ ዑደት እውን ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝተጀመረ መሰረታዊን ማሕበራዊን ቀረባት ንምቕራብን ንምዕዛብን ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብተን መዓስከራት ዘሎ ዝርገሐ ምግቢን ዝተፈላለዩ ቀረብ ኣገልግሎታትን እውን ኣካል እቲ ዑደት ኢዩ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ድሕንነትን ቀረብ ግልጋሎትን ዝምልከት ምስ ማእከላዊ ኮሚቴ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ ልዝብ ምክያዱ ተሓቢሩ።

ተወከልቲ እቶም ስደተኛታት እውን ኣብቲ ጣቢያ ብዛዕባ ዘለዉ ኣገልግሎታት ፅሬቶም ዝመሓየሸሉ ኩነታት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳያተ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያን፥ ሰላምን ድሕንነትን እቶም ስደተኛታት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.