Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ንጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ስነ ስርዓት ሽልማትን ኣፍልጦን ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማትን ኣፍልጦን ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ቤተሰብ ስፖርትን ተረኺቦም። #Ethiopia እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር…
Read More...

ምድብ ድልድል ዩሮፓ ሊግ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምድብ ድልድል ዩሮፓ ሊግ ውድድር ዘበን 2023/24 ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ፦ ኣብ ምድብ ሓደ፦ ጋንታታት ዌስተሃም፣ ኦሎሚፓከስ፣ ፍሪበርግን ባካ ቶፖላን፤ ኣብ ምድብ ክልተ፦ ኣያክስ፣ ማርሴ፣ ብራይተንን ኣቴንስን ኣብ ምድብ ሰለስተ፦ ሬንጀርስ፣ ሪያል ቤቲስ፣ ስፓርታ ብራግን ኣሪስ ሊማሶልን ኣብ ምድብ…

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ከምትካፈል ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 5 ሕዳር 2023 ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ኒውዮርክ ወናኒት ክብረ ወሰን ዓለም 10 ሺሕ ሜትሮን ፍርቂ ማራቶንን ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ከምትካፈል ተገሊፁ። ኣትሌት ለተሰንበት ኣብ ዝሓፈ ዓመት ኣብ ቫሌንሲያ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን 2 ሰዓት 16 ደቒቕን 49 ሰከንድን ብምእታው ኣብ ታሪኽ…

ድልድል ምድብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ሰርዓት ድልድል ምድብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ 2023/24 ኣብ ፈረንሳይ ሞናኮ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ፦ ኣብ ምድብ A:  ማንችስተር ዩናይትድ ፣ ባይየርን ሙኒክ፣ ኮፐን ሃገን፣ ጋላታሳራይ ኣብ ምድብ B፡  ኣርሰናል ፣ ሴቪያ፣ ፒ ኤስ ቪ፣ ሌንስ ኣብ ምድብ C፡  ናፖሊ ፣ ሪያል ማድሪድ፣ ብራጋ፣ ዩኒየን…

ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዓወት ንዘመዝገቡ ኣባላት ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዓወት ንዘመዝገቡ ኣባላት ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቡ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ቀጀላ መርዳሳ፣ ሓጋዚት ኮሚሽነር ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ  ደራርቱ ቱሉ፣ ኣባላት ቦርድ ኣፈፃሚ ስራሕ…

ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ቻምፒየንስ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ምብራቕ ኣፍሪካ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ቻምፒየንስ ሊግ ምብራቕ ኣፍሪካ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ። ኣብ ፍፃመ እቲ ውድድር ምስ ታንዛኒያዊት ጋንታ ጀኬቲ ኩዊንስ ዝገጠመት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ÷ ስሩዕ ፀወታኣ ብማዕረ ውፅኢት ምዝዛሙ ስዒቡ ናብ ፍፁም ቅላዕ ኣምሪሐን፡፡ ብምዃኑ ጋንታ ባንኪ ንግዲ…

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቡዳ ፔስት ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴር ኣቀባብላ ገይሮሙሉ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሆቴል…