Fana: At a Speed of Life!

ሶማሊያ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኣምባሳደራ ብምፅዋዕ ኣምባሳደር ኬንያ ኣብ ሶማሊያ ድማ ካብ ሞቃዲሾ ንኽወፅኡ ኣዚዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ሶማሊያ ኬንያ ኣብ ውሽጢ ጉዳየይ ኢድ ኣእቲያ ብዝብል ኣብ ናይ ናይሮቢ ዝርከቡ ኣምባሳደር መሓመድ ኣሕመድ ኑር ታርዛን ፃዊዓ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሶማሊያ ዝርከቡ ኣምባሳደር ኬንያ ሉቃስ ቱምቦ መቃዲሾ ለቒቖም ንኽወፅኡ ኣተሓሳሲባ።

ፌዴራል ምምሕዳር ጂባ ላንድ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተበፅሐ ስምምዕነት መረፃ ንኽጥሕስ፥ መንግስቲ ኬንያ ፅዕንቶ እናገበረት ኢያ ክብል መንግስቲ ሶማሊያ ከሲሱ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሶማሊያ ብፍላይ ምስ ጁባ ላንድ ተተሓሒዙ ኢዱ ስለዘእተወ፥ ሉኣላውነት ሃገር ንምሕላው ብዝብል ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ቀዋሚ ፀሓፊ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ መሓመድ ዓሊ ኑር ገሊፆም።

ኣብ ድሕንነት፣ ምርግጋእን ልምዓትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝበለቶ ኢድ ኣእታውነት ኬንያ ከምዘሕዘኖ መንግስቲ ሶማሊያ ብዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኬንያ ምስ ድሕንነትን ዞባዊ ድሌታን ተተሓሒዙ፥ ንኣመሓዳሪ ጁባ ላንድ ኣሕመድ መሓመድ ኢስላም ሓገዝ ከምትገብር ይዝረብ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.