Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንሰብ ሞያ ጥበብ ኣፍልጦ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፓርክ እንጠጦ ንሰብ ሞያ ጥበብ ኣፍልጦ ሂቦም።

“ንኢትዮጵያ ስለዘገልገልኩም ኢትዮጵያ ተመስግነኩም ኢያ” በዝብል ሓሳብ ኢዩ እቲ ኣፍልጦ ተዋሂቡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ኪነ-ጥበብ ንሃገሮም ውዕለታ ዝወዓሉ ሰብ ሞያታት ተረኺቦም።

ህቡባት ሰብ ሞያ ስነ ጥበብ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሜዳሊያ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም።

ምሕራይ ተሸለምቲ ኣርቲስታት ዝተገበረ ኣብ ውሽጢ ስነ ጥበብ ኢትዮጵያ ብዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ፣ ሃገሮም ብቕንዕና ምግልጋሎም፣ መጠን ተቐባልነት፣ ንዕብየት ሙየኦም ዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ፣ ዕድመኦም ናብ ስሳታት ዝተፀገዐን ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑን ከምኡውን ብህይወት ዘለዉን ኢዮም።

ብቴኣትር ፣ ፊልሚ፣ ስእሊን ስነቅርፅን ዝተዋፈሩ ሰብ ሙያታት ተሸሊሞም።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.