Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንመበል 1 ሺህን 441 በዓል ዒድ ኣልኣድሃ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንመላእ ህዝበ ሙስሊም እንኳዕ ንመበል 1 ሺህን 441 በዓል ዒድ ኣልኣድሃ ኣብፀሐኩም ክብሉ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል ዓረፋ ንኢትዮጵያውያን ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ዝተፈለየ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።

ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ ህንፀትን ቃልሲ ዲፕሎማሲን ቀዳማይ ዙር ምዝዛም ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ምኽባሩ እቲ በዓል ኣብ ውሽጢ ፍስሃ ኮይንና ኢና እንቕበሎ ዘለና ኢሎም።

ህዝበ ሙስሊም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንክዛዘም ገንዘብ ካብ ምውፃእን እወንታዊ ሓሳብ ካብ ምብርካትን ብተወሳኺ ኣብ ከይዲ ዲፕሎማቲክ ቃልሲ ግንባር ቀደም ብምዃን ናይ ኩላህና ዝኾነት ሃገር ንምኹራዕ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ብምዃን መስዋእትነት ከምዝኸፈለ ኣገንዚቦም።

ንዝተበርከተ ኣስተዋፅኦ ድማ ብስም መንግስቲ ፌዴሪኢን መላእ ህዝብን አመስጊኖም።

ከም ኢብራሂም ዝበሉ ቆራፃትን ቅኑዓትን ሰባት ንእምነቶም ክብሉ ሓደ ውላዶም መስዋእቲ ብምግባር ንእወንታዊ ዕላማ ድልዋት ይኾኑ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥  ክፉኣት ድማ እኩይ ዕላመኦም ንምትግባር ኣብ ልዕሊ ሓዎም በትሪ የቕንዑ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ሓፍቶም፣ ውላዶም፣ እነኦምን ኣቦኦምን እንትጭክኑ ዓይኖም ኣይሓስዩን እውን ኢሎም።

“ኣብ መንጎና እውን ንተራ ቁሳዊ ሃፍቲ፣ ንንኡሽተይ ፖለቲካዊ ዓወትን ስልጣን ክብሉ እኩይ ተግባር ዝፍፅሙ ኣለዉ” ብምባል ገሊፆም።

ንከብዶም ክብሉ ቤተሰቦም፣ ንውልቀ ረብሓ ክብሉ ሃገርን ወገኖምን ንምሻጥ እንትዳለዉ ምርኣይ ዘሕዝን ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ከምዚ ዝገብሩ ኣካላት ካብ ክፉእ ተግባሮም ንክምለሱ ህዝበ ሙስሊም ብጥበብ ንከምህሮም ሓደራ ኢሎም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል ዓረፋ ዓለም ዝፈታተን ዘሎ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ኣብ እንዋገአሉ ዘሎ እዋን ዝኽበር ኢዩ አውን ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላው ብጥንቃቐ ክኽበር ከምዝግባእ ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ፣ ዝሓመሙን ህይወቶም ዝሰኣኑን ሰባት ቁፅሮም ይወስኽ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፥ እዚ ጉዳይ ኣካል ኣስተምህሮን ፀሎትን ብምግባር እቲ ለበዳ ምክልኻል ሃይማኖታዊ ግዴታ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ለበዳ ዝፈጠሮም ክፍተታት ኣብ ምምላእ ኩሉ ሰብ ገድኡ ከበርክት ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ብምድጋፍ፣ ናይ ሓባር መኣዲ ብምቕራብን ብምክእኣልን ክኽበር ከምዝግባእ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝተረፉ ስራሕቲ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብምርብራብን መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ምዕዋትን እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.