Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዘተ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት በይነ መንግስታት ንምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ዘተ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣሳሊጦም።

ኣብቲ ዘሳለጡዎ ዘተ ድማ ኮቪድ-19 ብብርኪ ዓለም ዘብፀሖ ዘሎ ፅዕንቶ ንምፅዋር ናይ ሓባር ኣመራርሓ ምሃብ ከምዘድሊ ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ኮቪድ-19 ኣብ ስርዓተ ጥዓናን ኢኮኖሚን ዘስዕቦ ፅዕንቶ ብውልቀ ምፅዋር ከቢድ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ኩነታት ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኣብ ከም ቱሪዝም ዝበሉ ብልዑል ፍጥነት እናዓበዩ ዝርከቡ ዘፈራት ኢንዱስትሪ ልዑል ፅዕንቶ እናሕደረ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ኩነታት ንምፅዋር ድማ ሓበራዊ ሓገዝ ምትእልላሽ፣ ሕድሕድ ኣባል ሃገራት ብቐሊሉ ክረኽበኦ ዝኸእላ እታወት ምክፋል ከምኡ እውን ተቐራሪብካ ልውውጥ ልምዲ ምግባር መፍትሒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ተስፋ ምግባር፣ ብትልሚ ምምራሕን ተሓጋጊዝካ ምስራሕን ከምዘድሊ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.