Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ብር 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ወፃኢ ዝግበረሉ ህንፀት መገዲ ኣስፋልት ጅማ – ጭዳ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብር 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ወፃኢ ዝግበረሉ ህንፀት መገዲ ኣስፋልት ጅማ – ጭዳ ኣጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መጀመሪ እቲ ፕሮጀክት ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይ ደመቀ መኮንን ከምኡ እውን ምስ ኣባላት ካቢኔኦም ብምዃን ኣብ ፍሉይ ምምሕዳር ከተማ ወረዳ ጭዳ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም፡፡

80 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ህንፀት መገዲ ኣስፋልት ጅማ ጭዳ ዘሳልጦ ድማ ቲ ሲ ጁ ሲቪል ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ተቛራፂ ቻይና ኢዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ናይ ህንፀት ዓማውቲ ክዛዘም ኢዩ ዝተብሃለ እቲ ፕሮጀክት መገዲ፥ ብር 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ወፃኢ ክግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ወፃኢኡ ድማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፣ ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ጃፓንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓባር ዝሽፈን ኢዩ፡፡

መገዲ ጅማ ጭዳ እቲ ከባቢ ቡንን ፍረምረን ዘብቁል ስለዝኾነ፥ ፍርያታት ናብ ማእኸላዊን ዓለም ለኸን ዕዳጋ ንምቕራብ ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ፡፡

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.