Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዑደት ኣካይዶም።

መፍለፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ኣብ ሓደ እዋን 2 ሺሕን 200 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከፈልፍል ዝኽእል እንትኸውን፥ ኣብ ዓመት ድማ 6 ሺሕ ጊጋ ዋት ሓይሊ እሌክትሪክ ዘፈልፍል ኢዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ እቲ ግድብ 36 ሚኢታዊ ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ብተወሳኺ መባፅሒ ቱሪዝም ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢተ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እውን እቲ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ግድብ መፍለፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ዑደት ምግባሮም ይዝከር።

ፍልፍል፦ ኢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.