Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ስራሕቲ ፈጠራ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ጃክ ማ ኣብ ዘዳለዉዎ ውድድር በዓል ዋና ፈጠራ ስራሕ ንኽሳተፉ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስራሕቲ ፈጠራ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ጃክ ማ ኣብ ዘዳለዉዎ ውድድር በዓል ዋና ፈጠራ ስራሕ ንኽሳተፉ ፀዊዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ኣቐዲሞም ምስ ቢሊየንር ጃክ ማ ብዝገበሩዎ ዘተ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰብ ዋና ፈጠራ ስራሕ ንምሕጋዝ ተሓሲቡ ብዛዕባ ዝተዳለወ ጀጋኑ ቢዝነስ ኣፍሪካ (www.africabusinessheroes.org/en/) ምዝታዮም ገሊፆም።

ኣብ እዋን ኮቪድ-19 ፈጠራ ስራሕ ንምስራሕ ዝቐረበ ፃውዒት ተቐቢሎም ብዙሓት ዜጋታት ጠቐምቲ ሓሳባት እናመሃዙ ከምዝርከቡ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ፈጠራ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ኣንቢቦም ምልክታ ብምእታው ብብርኪ ቐተና ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.