Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ጉዳይ መረፃ ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልላትን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ መረፃ ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልላትን ምዝታዮም ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ስራሕቲን ሓላፍነታትን መንግስቲን ፓርቲን ሓደ ተገይሮም ከይቑፀሩ ግልፂ መፍለዪታት ከምዝተቐመጡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዝካየድ መረፃ ሓላፍነት መንግስቲ ሰላማዊ፣ ናፃን ፍትሓዊን መረፃ ንኽካየድ ምግባር ኢዩ ኢሎም።

“ብመሰረት እዚ፤ መንግስታት ብሄራዊ ክልላት እውን ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ውፅኢታዊ ተሳትፎ ንኽገብሩ ንምሕጋዝ ቆራፅነቶም ኣርኢዮም ኢዮም” ክብሉ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.