Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ንዝተውፃእፅኡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስታዲየም ሸባብ ኣል ኣህሊ ዱባይ ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስታዲየም ሸባብ ኣል ኣህሊ ዱባይ ብምርካብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ንዝተውፃእፅኡ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ እቲ ስነ-ስርዓት፥ ካብ ስዑድ ዓረብ፣ ሊባኖስ፣ ኩዌት፣ ኦማን፣ ኳታርን ባህሬንን ዝተውፃእፅኡ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ እትዮጵያውያንን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ናብ ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብ ከምዘምርሑ ይፍለጥ።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን መሰልን ረብሓን ክሕልዉ ዝኽእሉ ዘተታት ምስ መራሕቲን ዜጋታትን ከካይዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ትማሊ ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ምስ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 250 ኢትዮጵያውያን ተዛትዮም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.