ኣስተምህሮ ጥምቀት ንህንፀት ሃገር ብምጥቃም፣ ባህላዊ ክብሩ ብምጉልባትን ህብረ ብሄራዊነቱ ብምጥንኻርን ነቲ በዓል ነኽብር -ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንበዓል ጥምቀት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ጥምቀት ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ህብረ ብሄራዊን በዓልና ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ሃይማኖታዊነቱ፥ ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ ሰማያት ወርዱ፣ ብኢድ ዮሃንስ ኣብ ዮርዳኖስ ምጥማቑ ንዝክረሉ፤ እዚ ድማ ዝጠፍአ ኣዳም ንምድላይ ዝተገበረ ጉዕዞ ኢዩ ኢሎም።
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዳም ኣብ ዝወደቐሉ ሕድሕድ ርጋፅ እግሪ ካብ ቤተልሄም ክሳብ ቀራኒዮ ተኸቲሉ ተጓዒዙ። ብመሰረት እዚ ንኣዳም ናብ ናይ ጥንቲ ክብሩ ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ናይ ጥንቲ ዝበለፀ ክብሪ ሂቡዎ እውን ኢሎም።
እዚ ድማ ንናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ዘምህረና ብዙሕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ቤተልሄም ክሳብ ቀራኒዮ ዝወደቐትሉ ብዙሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ሕድ ሕድ ዝወደቐትሉ ውድቀት ስዒብና ክነልዕላ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ናይ ያታ፣ ሃገረ መንግስቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ናይ ምርድዳእ ውድቀታትና ናብ ትንሳኤኣ ክንቅይር ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።
ጥምቀት ባህላዊ በዓልና ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ክዳንናን ናውቲንናን ንዓለም እነርእየሉ፣ ኣሰራሓ ፀጉርናን ዜማታትናን እነቕርበሉ ኢዩ ኢሎም።
ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ንምምፃእ እዚ እዋን ካብ ዝሓርዩሉ ምኽኒያታት ሓደ እዚ ናይ ኣደባባይ ሙዚየም ከምዝኾነ ገሊፆም።
ካብ ገፀር ናብ ከተማ፣ ካብ ወሰን ክሳብ ማእኸል፣ ካብ ወፃኢ ዓዲ ክሳብ ውሽጢ ዓዲ በዓል ጥምቀት ንዓና መግለፂ ኢዩ እውን ኢሎም።
ጥምቀት ህብረ ብሔራዊ በዓል እውን ኢዩ ብምባል፥ናይ ኢትዮጵያ ብሄራት፣ ቋንቋታት፣ ባህልታት ንምርኣይ ዝደለየ ሰብ ሓደ ኣማራፂ በዓል ጥምት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣስተምህሮ ጥምቀት ንህንፀት ሃገር ብምጥቃም፣ ባህላዊ ክብሩ ብምጉልባትን ህብረ ብሄራዊነቱ ብምጥንኻርን ነቲ በዓል ነኽብር ሓደራ ኢሎም።