Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ገዛኢ ዱባይን ሼኽ መሓመድ ቢን ረሺድ ኣልመክቱም ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ገዛኢ ዱባይን ሼኽ መሓመድ ቢን ረሺድ ኣልመክቱም ተዛትዮም።

ሼኽ መሓመድ ቢን ረሺድ ኣልመክቱም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ዝገብሩዎ ዘለዉ ፃዕሪ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ሰላም ንኸዓስል ዝሰርሑዎም ዘለዉ ስራሕቲ ከምዘድንቑን ከምዝድግፉን ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

ክልቲኦም መራሕቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ዱባይን ኣብ መላእ ሕቡራት ኢሚረታት ዓርብን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዘልዐሉዎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣብ ዝፍትሑሎም መገዲታት ዘተኮረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ትማሊ ዕለት 300 ምስ ዝኾኑ ተወከልቲን ኣመራርሓታትን ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ንሼኽ መሓመድ ቢን ኣልዒሎምሎም።

ሼኽ መሓመድ ቢን ብግደኦም ብፍላይ ምስ ምህናፅ ኣቢያተ እምነትን ኣቢያተ ትምህርቲን፣ ፈቓድ ስራሕ ምርካብን ካልኦትን ተተሓሒዞም ዝተልዓሉ ሕቶታትን ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝዝትዩሉ ቃል ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ኣቡዳቢ ድማ መስርሒ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝኸውን ቦታ ፈቒዶም።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰትር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.