Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ መመርመርቲ ኪታት ናብ ኢትዮጵያ ንዝለኣኸ ፋውንዴሽን ቴንሴንት አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መመርመርቲ ኪታት ናብ ኢትዮጵያ ንዝለኣኸ ፋውንዴሽን ቴንሴንት አመስጊኖም።

ፋውንዴሽ ቴንሴንት ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኾም ኪታት መመርመሪ ቫይረስኮሮና ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኢትዮጵያ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ንምቁፅፅራን ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ዓሊሞም መመርመርቲ ኪታት ንዝለኣኹልና ፋውንዴሽ ቴንሴንት ማ ሁዋንቴንግ አመስግን” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ነቲ ቫይረስ ናይ ምምርማር ዓቕማ ዘጠናኽር ሓገዝ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.