Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ህብረተሰብ ካብ ኮሮና ብዝሕሉ መልክዑ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ከምዝኽበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር በዓል መስቀል ሕብተሰብ ብቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብዘኽእል መልክዑ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስን ፕሮጀክት ዳግመ ህንፀት ኣደባባይ መስቀል ዝርከበሉ ብርኪ ሎሚ መዓልቲ ተዓዚቦም።

ኣብቲ ዑደት ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማ ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት እታ ቤተ ክርስቲን ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ተሳቲፎም።

በዓል ዳሜራ መስቀል እዚ ዓመት ውሑዳት ምእመናት ኣብዝተረኸቡሉ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ከምዝኽበር ኣብቲ እዋን ዑደት ተሓቢሩ።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ዓቢዪ ሃገራዊ ረብሓ ከምዘለዎ ዝገለፃ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብ ምምፃእ ፅባቐ እታ ከተማ እውን ዓቢዩ ኣስተዋፀኦ ከምዘበርክት ኣገንዚበን።

ፓትሪያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ብግደኦም፥ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት በዓል መስቀል ንምኽባር ኣብዝከኣለሉ ብርኪ ከምዝበፅሐ ምዕዛቦም ገሊፆም።

በተመሳሳይ መስከረም 23 በአዲስ አበባ ለሚከበረው የኢሬቻ በዓልም፤ አባ ገዳዎች የማክበሪያ ስፍራ ተረክበዋል።

ብኻሊእ መዳይ ኣባ ገዳታት፥ 23 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ መኽበሪ ቦታ ተረኪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.