Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ዕዱማት ኣብ ዝተረኸቡሉ ይኽበር ኣሎ።

በዓል ኢሬቻ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ዝኽበር እንትኸውን÷ ካብ መከራ ናብ ተሰፋ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ምስግጋሩ ኣመልኪቱ ንፈጣሪ ምስጋና ዝቐርበሉ ስርዓት ኢዩ።

ኢሬቻ መግለፂ ሰላም፣ ይቕሬታ፣ ሓድነትን ሰናይ ተግባርን ከምዝኾነን ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ክኽበር ከምዝግባእን ኣባ ገዳታት ገሊፆም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥ ከም በዓል ኢሬቻ ዝበሉ ዓበይቲ በዓላት ከም መሳርሒ መጠናኸሪ ሓድነት ሒዝና፤ ኣብ ሓፂርን ነዊሕን ግዘ ዝሓዝናዮ ጉዕዞ ምዕባለ ንምትዕንቓፍ ዝተኸፈቱና ወፍሪታት ኩሎም ብምሕላፍ ዝሓዝናዮ ራኢ ንምዕዋት ብሓድነት ክንሰርሕ ይፅዕ” ኢሎም።
 
“ኣብ ታሪኽ ብሓድነት እምበር ብኣፈላላይ ተኸቢርና፣ ተፈሪሕና ይኹን ስዒርና ኣይንፈልጥን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትስር÷ “ሓደ ኮይንና ጠጠው እንትንብል ብኹሉ ግምባር ዓወት ከምንጎናፀፍ ርኢና ኢና፤ ዝኾነ ይኹን ዝሽረሐልና ሽርሒ ክነፍሽል ከምንኽእል ብጭቡጥ ኣርኢና ኢና” ኢሎም።
 
ሕዚ እውን ናፅነትን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተኑ ፀላእቲ ከምዘለዉ ብምሕባር÷ “ካብ መገዲና ግን ከሰናኽሉና ኣይኽእሉን” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.