Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ኣብ መላእ ኢትጵያ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 1 ሺሕን 441 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ/ዓረፋ ኣብ መላእ ኢትጵያ ይኽበር ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ህዝበ ሙስሊም እዚ ኣፀጋሚ እዋን ብምትሕዝዛንን ዘለና ብምክፋልን በዓል ዓረፋ ምስ ካልኦት ኣሕዋቱ ኮይኑ ንኸኽብር ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ፕዚዳንት፥ በዓል ዓረፋ ፍሉይ ዝገብሮ ዘለዎ ምስ ዘይብሉ ተኻፊሉ ዝበልዐሉ፣ ምትሕስሳብ፣ ሓድነትን ምርድዳእን ዝረኣየሉ ስነ-ስርዓት ሕርዲ ዝፍፀመሉ በዓል ስለዝኾነ ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ወገናት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንፀገም ዝተቓልዑሉ እዋን ከምዝኾነ ዝገለፁ ሓጅ ዑመር እድሪስ፥ እቲ በዓል ተኻፊልካ ብምብላዕ ምኽባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካብ ዝግበር ስነ-ስርዓት ሕርዲ ሲሶ ንፅጉማት መሃብ ከምዝግባእ ኢዮም ዝገለፁ።

ናይዚ ዓመት በዓል ዓረፋ ከምቲ ዝሓለፈ በዓል ዒድ ብምርሕሓቕን ቫይረስ ኮሮና ብምክልኻልን ክኽበር ከምዝግበኦ እውን ኣተሓሳሲቦም ኢዮም።

ናይዚ ዓመት በዓል ዓረፋ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ዝኽበር ብምዃኑ ተወሳኺ ሓጎስ ዝህብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ልምዓት ንኽቕፅል ሰላም ኣድላዪ ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረተሰብ ንሰላም ዘብዒ ብምዃንን ብምፅላይን ብይቅርታ ናብ ፈጣሪ ምምላስ ናይ ግድን ዝኾነሉ እዋን ከምዝተበፅሐ ኣብሪሆም።

በዓል ዓረፋ ኣደምን ሃዋን ዝተራኸቡሉ ቦታ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፥ እቲ በዓል ካብ ነነብዩላህ ኢብራሂምን እስማኤልን ጀሚሩ እናተኸበረ ዝነበረ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.