Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ጅግንነት፣ ስምዒት ፍቕሪ ሃገርን ጥበብ ኲናትን ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቢይ ኣሕመድ መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ጅግንነት፣ ስምዒት ፍቕሪ ሃገርን ጥበብ ኲናትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ጎራዴ ተዓጢቕካ መድፍዕ ንምውዳቕ ካብ ምውርዋር ዝበለፀ ጅግንነት የለን፣ ኣፈላላይ ንደሓር ብምሕዳግ ብሓባር ንሓንቲ ሃገር ግምባር ንባሩድ፣ ክሳድ ንኻራ ክባ ምቕራብ ንላዕሊ ፍቕሪ ሃገር ከምዘየለ፣ ፈሲሕ እዋን ወሲዱ ብሽርሒን ስትራቴጂን እናተዳለወ ካብ ካልኦት ዝረኽቦ ሓገዝ ተጠቒሙ ንመጥቃዕቲ ዝመፅአ መኪትካ መሊስካ ብምጥቃዕ ምስዓር ብቐሊል ብልሓት ዝኸውን ኣይኮነን” እውን ኢሎም፡፡

ብደምን ብረሃፅ ዝወዘመ፣ ብስጋን ኣፅን ደው ዝቖመ፣ ብጥበብን ብምድማርን ዝደመቐ ዓወት ዓድዋ፥ ንኢትዮጵያውያን ዝተፈለየ ትርጉም ተዋሂቡዎ ክኽበር ከምዝኽእል ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ሓደ ድማ ዓወት ዓድዋ ሃገርና ኢትዮጵያ ማንም ከውርዳ ናብ ዘይትኽእለሉ ብራኸ ዝሰቐላ ስለዝኾነ ኢዩ ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ ንምክፍፋል፣ ንምፍልላይ፣ ንምሕማስን ንምብላዕን ዝተገበሩ ፈተነታት ኩሎም ክፍሽሉ ዝኸኣሉ እውን በዚ ምኽንያት ከምዝኾኑ፤ ዓድዋ ኣብ ብራኸ ክብ ዘቐመጦም እሴታት ኢትዮጵያ ሓደ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ናይ ዝኾነ ይኹን ብሄር ብሄረሰብ ታሪኽ እንተዝፅናዕ፣ ናብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ኢትዮጵያ ብምኻድ እንተዝሕተት፣ ኣባሓጎታቱ ናብ ዓድዋ ዘይዘመተ ህዝቢ ኣይርከብን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መንገዲን መራኸቢን ኣብ ዘይተስፋሕፈሐሉ፣ ዘበናዊ መጓዝያ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፣ ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ሰራዊት ዱርን በረኻን ብእግሩ እናቋረፀክኸይድ ዝኸኣለ ንኢትዮጵያ ኢሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

መንግስታዊ ስርዓት ተመቺዩዎ፣ ኣገዛዝኡኡ ተስማዕሚኡዎ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ ትበሃል ኣቦሓጎታቱ ዝነገሩዎ ሃገር ኣብ ልቡ ስለዝነበረት፤ ኮሪዓን ተሓፊራን ዝነበረት ሃገሩ ኣብ ሰራውር ደሙ እናተዛዋወረት ስለዝነበረት ኢዩ ኢሎም፡፡

“ንኣፈላላይ ናይ ምርድዳእ ፍቱን መድሓኒት ዕላማ ምዃኑ ሓርበኛታት ዓድዋ ነጊሮምና ኢዮም” ክብሉ ገሊፆም።

ወፍሪ ዓድዋ ንኢትዮጵያውያን ካብ ጥንቲ ዝነበረ ብዘሐሸ መልክዑ ዘተኣሳሰረ ወፍሪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

“ኢትዮጵያውያን ብዙሓት ጥፍኣታት ይዕገሱ፣ መራሕቲን ጉጅለታትን ዝፍፅሙዎም ስሕተታት ይዕገሱ፣ ናይ መአረሚን መስተኻኸሊን ግዘ ይህቡ፣ ናይ መራሕቲን ጉጅለታትን ስሕተት ሃገሮም ንኸፍርሱ ግን ኣይፈቕዱን፤ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ድማ እዚ ዘይርድኡ ኣካላት ተደጋጋሚ ስሕተት ሰሪሖም ኢዮም፣ ኣብ እዋን ወፍሪ ዓድዋ እውን ጣሊያናውያን ነዚ ስሕተት ሰሪሖምዎ ኢዮም” ኢሎም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ጁንታ ናይ 125 ዓመት ስሕተት ታሊያን ደጊሙ ተሰሓሒቱ ኢዩ፣ ኢትዮጵያውያን ብትዕዝብቲ ሱቕ እንትብሉ ውሑዳት ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓይለ ቃላት እንትወራወሩ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፍጠሩ ጎንፂታት ወገናት መከራ እንትረኽቡ፤ ወጥሪ ዝዓሰለ መሲሉዎ ንኢትዮጵያ ምፍራስ ዝከኣል ሕዚ ኢዩ ኢሉ እንትለዓል፤ ኢትጵያውያን ነቲ ጁንታ ዝተዓገሱዎ ናይ መአረሚን መስተኻኸሊን ግዘ ንመሃብ ምዃኑ ዘንጊዑዎ፤ ይኹን እምበር ሃገሮም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐት እንተረጋግፁ ኩሉ ነገሮም ገዲፎም ብኢትዮጵያውነቶም ተረዳዲኦም ከምዝዘምቱ ኣይተረደአን፤ ዝኾነ ግን ንሱ ኢዩ” ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣገንዚቦም።

ዓወት ዓድዋ ሐሠይሊ ይቕሬታን ዕርቂን ዘርአየ ዓወት ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝነበሩ ጎንፂታትን ውግኣትን ዝተቐያየሙ መራሕቲ ይንበሩ እምበር ኣብቲ እዋን ቅሬተኦም ብዕርቂ፣ ቂሞም ብይቅርታ ስዒሮም ብሓባር ክዘምቱ ክኢሎም ኢዮም ኢሎም ።

ዓወት ዓድዋ ዘይቕየር ዝመስል ዝነበረ ልዕልነት ፀዓዱ ብፀለምቲ ኣናብስ ዝተሰዓረሉ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ጎሊሃ ዝተረኣየትሉ ዘደንቕ እዋን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ተኣምር ንሪኦም ጉዳያት ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ንምስራሕ ንገብሮ ጉዕዞ ክሳኽዑ ዝኽእሉ ምዃኖም፣ ታሪኽ ድኽትና ብምዕባለ ዘይሰዓረሉ ምኽያት ከምዘየለ ካብ ዓድዋ ንላዕሊ ካሊእ ምስክር ምርካብ ኣይከኣልን ኢሎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ንኢትዮጵያ ንምብልፃግ ንጓዘሉ መገዲ ካብ እሴታት ዓድዋ ክቕዳሕ ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.