Fana: At a Speed of Life!

ባምላክ ተሰማ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣፍሪካ ብዳይነት ክመርሕ ኢዩ

አዲስ አበባ ፣ የካቲት 16 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያዊ ኢንተርናሽናል ዳይና ባምላክ ተሰማ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣፍሪካ ብዳይነት ክመርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ባምላክ ተሰማ ጋንታ ቲፒ ማዜምቤ ኣብ ሜዳኣ ንጋንታ ሞሮኮ ራጃ ካዛብላንካ እተተኣናግደሉ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ብዋና ዳይነት ከምዝመርሕ ተገሊፁ።

ፈላማይ እግሪ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝመፅእ ዓርቢ ኣብ ሜዳ ራጃ ካዛብላንካ ዝካየድ እንትኸውን፥ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ሉሙምባሺ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክካየድ ኢዩ።

ኢንተርናሽናል ዳይና ባምላክ ተሰማ፥ ቅድሚ ኣዋርሕ ፀወታ ጋንታ ግብፂ ዛማሊክን ጋንታ ዛምቢያ ዜስኮን ምስ ሓገዝቱ ተመስገን ሳሙኤልን ለሚ ንጉሴን ብምዃን መሪሑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.