Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተቐማጢ ገንዘቡ ካብ 1 ትሪሊየን ብር ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቐማጢ ገንዘብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ካብ 1 ትሪሊየን ብር ከምዝተሳገረ እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ኣቤ ሳኖ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ተቐማጢ ገንዘብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካብ 1 ትሪሊየን ብር ከምዝተሳገረ ዕላዊ ገይሮም።

እቲ ባንኪ ኣብዚ ብርኪ ንኽበፅሕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መዳርግቲ ኣካላት፣ ዓማዊልን ሰራሕተኛታትን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ህዝቢ ኣብቲ ባንኪ ዘቐመጦ ሃፍቲ ህዝቢ ከምዝኾነን ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ምብፅሑን ዕዙዝ ምዕራፍ ከምዝኾነ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.