Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንመርሃ ግብሪ ”ዕቖሩ፣ ተሸለሙ”ን ”ተቀበሉ፣ ዘርዝሩ፣ ተሸለሙ”ን ዘዳለዎ ዕፃ ንዝወፅአሎም ዕድለኛታት ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንመርሃ ግብሪ ”ዕቖሩ፣ ተሸለሙ”ን ”ተቀበሉ፣ ዘርዝሩ፣ ተሸለሙ”ን ዘዳለዎም ዕፃ ንዝወፅአሎም ዕድለኛታት ኣረኪቡ።

እቲ ባንኪ ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተሳቲፎም ዕድለኛታት ዝኾኑ ዓማዊል ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ባንኪን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሽልማቶም ኣረኪቡዎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ባንኪ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕድለኛታት ንዝኾኑ ዓማዊሉ 2 ኣፓርታማታት መንበሪ ኣባይቲ፣ 3 ማእኸለዎት ናይ ፅዕነት መኻይን፣ 17 ኣውቶ ሞቢላትን 34 በዓል ሰለስተ እግሪ ተሸከርከርቲን ከምዝተሸለሙ ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.