Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ 400 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ 400 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቑ።

እቲ ሓገዝ ፕሮግራም ሴፍቲኔት ከተማ ንምሕጋዝ ዝውዕል ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፁ ኣፍሎጡ።

ካብ ውሽጢ እቲ ሓገዝ 50 ሚሊየን ዶላር ስደተኛታት ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዝውዕል ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.