Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ንኽታበት ኮቪድ-19 ዕሸል ሃገራት ዝውዕል 12 ቢሊየን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ንኽትባት ኮቪድ-19 ዕሸል ሃገራት ዝውዕል 12 ቢሊየን ዶላር ኣፅዲቑ።

እቲ ባንኪ ዝገበሮ ሓገዝ ፋይናንስ፥ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ስራሕ እንትውዕል ንኽገዝኣሉን ከከፋፍላሉን ከምኡ እውን ንዜጋታተን ምርመራን ክንክንን ቫይረስኮሮና ንምግባር ከውዕለኦ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ባንኪ ዓለም ሕዚ ዕላዊ ዝገበሮ ሓገዝ፥ ክሳብ 2021 ንዕሸል ሃገራት ንመሃብ ካብ ውሽጢ ዝኣተዎ 160 ቢሊየን ዶላር ዝካተት ከምዝኾነ እውን ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ድኻ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ተረባሕቲ ክታበት ንክኾኑ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ፕዚዳንት እቲ ባንኪ ዴቪድ ማልፓስ፥ እቲ ሓገዝ ሃጋርት ፍትሓዊ ተበፃሕነት ክታበት ፀረ ቫይረስኮሮና ንኽህልወን ዘኽእለን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ባንኪ ዓለም፥ ኢኮኖሚኦም ንዝተጎድኡ ዘፈራት ሓዊሱ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ፅዕንቶ ዝበፅሐን ዕሸል ሃገራት ሓገዝ ንምግባር ከምዝተዳለወ ምግፁ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.