Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት 1ይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ፅባሕ ከሳልጥ ኢዩ

አዲስ አበባ፣ ጥቅምት 8፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) የኢፌዴሪ የሕዝብ ተወካዮች ምክር ቤት 6ኛ ዓመት የስራ ዘመን 1ኛ ልዩ ስብሰባውን በነገው ዕለት እንደሚያካሂድ ይጠበቃል

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት ቀዳማይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ፅባሕ ሰኑይ ከምዘካይድ ተገሊፁ።

ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሳለጥ እቲ ኣኼባ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ክርከቡ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ባይቶ፥ ፕሬዚደንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ መኸፈቲ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ባይቶ ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ ዘቕረብኦ መኽፈቲ መደረ ተመርኲዞም ብዝቐርቡ ሕቶታት ብዝምልከት ቅዋም መንግስቲ ብምድማፅ ሞሽን ድጋፍ ከፅድቕ ኢዩ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ፣ ሰበኽ ሳግምን ሓለዋ ከባቢን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ፅባሕ ኣኼበኦም ከካይዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቶም ቀወምቲ ኮሚቴታት፥ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሮም ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ እቲ ባይቶ ኣኼበኦም ከምዘሳልጡ ተገለፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.