Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ዝተዓፀዋ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ቀፅሪ እቲ ባይቶ ኣብ ዘሎ ናይ ኣትኽልቲ ቦታ ብምዃን ቃለ ማሕለኣ ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፊያሜ ናኦሚ ማታፋፋ፥ ኣብ 20 ዓመት ንፈለማ እዋን ነታ ሃገር ክትመርሕ ዝተመረፀት ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት ሃገር ሳማዋ ኢያ።

ኣብታ ደሴታዊት ሃገር 200 ሽሕ ህዝቢ ጥራሕ’ዩ ዝነብር።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ዝተዓወተት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ፥ ትማሊ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ክትከውን ቃለ መሓላ ክትፍፅም ነይሩዋ።

ይኹን’ምበር እቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝግብኦ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን ከሊኡዋ።

ንሱ ካብ ስልጣነይ ኣይወረድን ስለ ዝበለ ድማ ንባይቶ እታ ሃገር ዓፅዩዎ ውዒሉ።

ኣማራፂ ስለ ዘይነበራ ከኣ ኣብ ቀፅሪ እቲ ባይቶ ኣብ ዘሎ ናይ ኣትኽልቲ ቦታ ኣብ ዝተሰርሐ ድንኳን ቃለ መሓላ ፈፂማ።

ቱይላፓ ሳሌሉ ማሊኤለጋዮይ፥ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ነታ ብማይ ዝተኸበበት ሃገር ክመርሕ ዝፀንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ።

ቤት ፍርዲ “ብድምፂ ስለ ዝተስዓርካ ደጊምስ ካብ ስልጣንካ ውረድ” እንተበሎ’ውን “ኣይፋለይን” ከምዝበለ ቢቢሲ ፀብፂቡ

ካብዚ ዝነቐለ እታ ሃገር ኣብ ኢድ መን እያ ክትፀንሕ? ዝብል ሐዚ’ውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.