Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 83 ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ ሃፍቲ ልምዓት ጂኦተርማል ንምምሕያሽ ብዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ እቲ ኣዋጅ ዝተወሰኑ ድንጋገታት ንምምሕያሽ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ብዘቕረቦ መመሓየሺ ኣዋጅ ብዝርዝር ድሕሪ ብምዝታይ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መሪሑዎ።

ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ምክልኻልን ግልጋሎት ሕክምና ምሃብን ለበዳ ሕማም ኪቪድ-19 ብቐጥታ ዝሳተፉ ሰራሕተኛታት ዘፈር ጥዕና ክፍሊት መበረታትዒ ኣበል ንምውሳን ዘዳለዎ መምርሒ እውን ብዝርዝር ተዛቲዩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ኢኮኖሚ ዝበፅሐ ፅዕንቶ ንምፅዋርን ዝርገሐ እቲ ለበዳ ንምግታእን ዘድሊዩ ወፃኢታት ንምሽፋን ተወሳኺ በጀት ዓመተ 2012 ረቂቕ ኣዋጅ ከምኡ እውን ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካል መዕቐፍ ማእኸላይ ዘበን (የ2013-2017)ን ብምዝታይ ዝተወሰኑ መስተኻኸሊ ብምውሳኽ እቲ ኣዋጅ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽፀድቕ፤ እቲ ምዕቐፍ ድማ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ብሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝተዳለወን ንረብሓ ህዝቢ መሬት እንትልቐቕ ብዛዕባ ዝኽፈል ካሕሳን እቶም ንልምዓት ብዝብል ዝተልዓሉ ሰባት መሊስካ ንምጥያሽን ኣብ ዝወፅአ ደምቢ ኣድሂቡ እውን ተዛቲዩ ኢዩ።

ኣብቲ ደምቢ ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተወሰኑ ምስትኽኻላት ብምግባርን ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ንኽወፅእን ኣብ ስራሕ ንኅውዕልን ምውሳኑ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ናብ ጣቢያና ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.