Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኢ/ር ታከለ ኡማ ዝቐረበሉ ሽመት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ዝቐረበሉ ሽመት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ኣፅዲቑ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተረኸቡ 89 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፥ ነቲ ሽመት 79 ድጋፍ 3 ተቓውሞን 7 ድምፀ ተዓቅቦን ብድምፂ ብልጫ ኣፅዲቖምዎ።

እቶም ተሸወቲ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ቃል መሓላ ፈፂሞም

ብመሰረት እዚ፡-

1 .ኢንጅነር እንዳወቅ አብጤ – ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ

2. ኢንጅነር ሰናይት ዳምጠው – ሓላፊ ቢሮ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲ

3. ወይዘሮ ነጂባ ኣክመል – ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ

4. ኣይተ ሺሰማ ገብረስላሴ – ሓላፊ ቢሮ እቶት

5. ኣይተ ኣብዱልቃድር መሓመድ – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ

6. ወይዘሮ ኤፍራህ ዓሊ – ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን

7. ኣይተ ሃይሉ ሉሌ – ሓላፊ ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስ

8. ኣይተ ዘላለም ሙለታ – ሓላፊ ቢሮ ትምህርት

9. ኢንጅነር ደመላሽ ከበደ- ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን

10. ኣይተ ስጦታው ታከለ – ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት

11. ኣይተ ነጋሽ ባጫ – ሓላፊ ቢሮ ልምዓት መሬትን ማኔጅመንትን

12. ኣይተ ይመር ከበደ – ሓላፊ ቢሮ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኢንተርፕራይዝን

13. ኣይተ መኮንን ተፈራ – ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ ሰራሕተኛታትን ማህበራዊን

14 ኣይተ ኣብዱልፈታሕ የሱፍ – ሓላፊ ቢሮ ንግዲ

15. ኣይተ ኣዱኛ ደበላ – ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን

16. ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ – ሓላፊ ቢሮ መተሓባበሪ ገበርቲ ሰናይ መናእሰይ

17. ኣይተ ዋቁማ ኣበበ – ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላን

18. ኣይተ ታምራት ዲላ – ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት

19. ኣይተ ታዜር ገብረእግዚአብሄር – ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ኮይኖም ንኽሽየሙ በቶም ምክትል ከንቲባ ተሓፅዮም ቀሪቦም።

ብተስፋዬ ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.