Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 7ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 7ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ድማ ምክትል ከንባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ይቕርቡ ኣለዉ።

እቶም ምክትል ከንቲባ ናይ ትኹረት ኣንፈት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ኣቕሪቦም ልዝብ ከምዝግበረሉ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ፥ ካፒታል በጀትን ስሩዕ በጀትን ዓመተ 2013፣ ፀብፃብ ዋና ኦዲተርን ኣቢያተ ፍርዲን 2012 ዓ.ም፣ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሽመታትን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ እቲ ጉባኤ ፅባሕ እውን ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.