Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 5ይ ዘበን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ ጉበባኤ፥ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።

ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ቀሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት መፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘድሃቡ 12 ረቀቕቲ ኣዋጃት ቀሪቦም፥ እቲ ባይቶ ተዛቲዩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብ እቶም ዝቐርቡ ረቀቕቲ ኣዋጃት፥ ወረዳታት ትግራይ ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ፣ ኣፈፅማ ስራሕ ከተማታትን ወረዳታትን፣ ረቂቕ ኣዋጅ ኣጠቓቕማን ኣመሓዳድራን መሬትን ካልኦትን መርሚሩ ከምዘፅድቕ ካብቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብተወሳኺ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይን ትካል እግሪ ምትካል ትግራይን(ትእምት) ብምግምጋም ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ 2012 በጀት ዓመት ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዝፍፀሙ መንግስታዊ ስራሕትን ግልጋሎትን ዝውዕል ተወሳኺ በጀት ሓዊሱ ሹመት ዳያኑ እውን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.