Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ እኒ ኣይተ ጃዋር ኣእቲዮምዎ ዝተብሃለ መሳርሒ ሳትላይት ብምትካልን ብምሕባእን ክሲ ዝተኸፈተሎም ኣይተ ሚሻ ኣደም ጉዳዮም ኣብዘየለዉሉ ተመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ፍርዲ እኒ ኣይተ ጃዋር ኣእቲዮምዎ ዝተብሃለ መሳርሒ ሳትላይት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምትካልን ብምሕባእን ብገበም ዘይሕጋዊ ዝርገሐ መስመር ቴሌኮም ክሲ ዝተመስረተሎም ኣይተ ሚሻ ኣደም ጉዳዮም ኣብዘየለዉሉ ተመልኪቱ።

ኣይተ ሚሻ ኣደም ብብር 20 ሺሕ ዋሕስ ንኽፍትሑ ብይግባይ ተፈቒዱሎም ዝነበረ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘየለዉሉ ጉዳዮም ተራኢዩ።

ክልተ ጠበቓታት ኣይተ ሚሻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ታረኛ መጋባእያ ምድብ ልደታ እዋን ቆፀሮ ቀሪቦም።

እቶም ጠበቓታት እቲ ብር 20 ሺሕ ዋሕስ ተኸፊሉ ዓሚሎም ምስ ስድረኦም ከምዘይተራኸቡን ዘለዉዎ ከምዘይፈልጡን ንቤት ፍርዲ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ እንተይተወሰዱ ኣይተርፍን ክብሉ ስምዕተኦም ንቤት ፍርዲ ብፅሑፍ ኣቕሪቦም።

እቲ ጉዳይ ዝተመልከተ ቤ ፍርዲ ፌዴራል ብግድኡ፥ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ትእዛዝ ንምንታይ ከምዘይተፈፀመ፣ እቶም ውልቀ ሰብ ምልቃቖምን ከምዘይተለቐቑን ከምኡ እውን ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣሕሊፉ መሃቡን ቀሪቡ መብርሂ ንኽህብ ኣዚዙ።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ድማ እተ ጉዳይ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝሓዞ ቀሪቡ ንኸረድእ ን11 መስከረም 2013 ዓ.ም ትእዛዝ ሂቡ።

ካልኦት ክትዓት ኣብ ቀፃሊ ከምዝረኣዩ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ገሊፁ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.