Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ንምክያድ ዝጀመሮ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ንከብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ንምክያድ ዝጀመሮ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ንከብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ንቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፥ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ከምዘይኽእል ዘቕረቦ ፀብፃብ መበገሲ ብምግባር ትርጉም ሕገ መንግስቲ ከምዝተውሃቦ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት እዚ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ምርጫ ብእዋኑ ንምክያድ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ፀገም እንትገጥም እንታይ ክግበር ከምዝግባእ ብግልፂ ብዘይምድንጋጉን እቲ ሕገ መንግስቲ ብመሰረት ዝፈቕዶ እቲ ዘሎ ክፍተት ብትርጉም ሕገ መንግስቲ ምምላእ ግቡእ ምዃኑ ብምእማን ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንክናዋሕ ከምዝተወሰነ ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እንበር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ውሳነ ብምግዳፍ ኣብቲ ክልል ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና ዝበለ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 102 ኣብ ፌዴራልን ክልልን ናፃን ትኽክለኛን ምርጫ ብገለልተኛ ምክያድ ዝኽእል ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ጥራሕ ከምዝኾነን ብብርኪ ክልል ዝጣየሽ ቦርድ ምርጫ ከምዘየሎን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ብዝምልከት ዝወሰኖ ውሳነን ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምጥያሽ ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት 3 ሰነ 2012 ዓ.ም ዘመሓላለፎ ውሳነ ዘየኽብር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ግልፂ ዝኾነ ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ኢዩ ክብል እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ደብዳብኡ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 62 (9) መበገሲ ብምግባር ዝኾነ ይኹን ክልል ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እንተኾይኑ መንግስቲ ፌዴራል ጣልቃ ዝኣትወሉ ስርዓት ንምድንጋግ ብዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዓንቀፅ 12 መሰረት ብተሳትፎ መንግስቲ ሓደ ክልል ወይ ኣፍልጦ ሕገ መንግስቲ ወይ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብዘይምኽባር ዝግበር ምንቅስቓስ ወይ ተግባር እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንቅስቓስ ወይ ተግባር ከምዝኾነ ብግልፂ ከምዝደንገገ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ንምክያድ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝፃረር፥ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ስርዓት ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝጎድእን ኣካይዳ ኢዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 50 (8) ንፌዴራል መንግስቲ ዝተውሃቦ ስልጣን ብክልላት ክኽበር ከምዘለዎን ልዕልነት ሕገ መንግስቲ ብመሰረት ዝድንግጎ ዓንቀፅ 9 (1) እቲ ሕገ መንግስቲ፥ ዝኾነ ይኹን ሕጊ ወይ ውሳነ ኣካል መንግስቲ ምስቲ ሕገ መንግስቲ ዝፃረር እንተኾይኑ ተፈፃምነት ከምዘይህልዎ ብምፍላጥ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ሕገ መንግስቲን ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ንከኽብርን ዝጀመሮ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ንከብልን እቲ ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.